ኣገዳሲ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ገምጋም ሓዳስ መጽሓፍ ብተመራማሪ ታሪኽ ብጻይ ኣለምሰገድ ተስፋይ

alemseged_tesfaiገምጋም መጽሓፍ
ኤርትራ፡ ካብ ፈደረሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን
1956-1962
ኣምባሳደር ዓብዱ ሄጂ
ecssheggi@gmail.com

  • ምስ ተመራማሪ ታሪኽን ደራሲን ብጻይ ኣለምሰገድ ተስፋይ ድሕሪ ነዊሕ ኣብ ዝተራኸብናሉ ኣጋጣሚ ፡ ብዛዕባ መጽሓፉ ሓቲተዩ ። ከም ዝተወደእትን ኣድላይ ስእልታት ምስ መረጸላ ንሕትመት ክትቀርብ ምዃና ሓቢሩኒ ። ኣስዒቡ፡ “ነዛ መጽሓፍ ክህይሱ ካብ ዝሓሰብክዎም ሰባት ሓደ ንስኻ ኢኻ ፡ ፍቓደኛ እንተኾንካ ነታ መጽሓፍ ኣብ ፍላሽ ክህበካ” ኢሉኒ ። ንትጽቢቱ እበቅዕዶኾን ብምባል ስክፍታ’ኳ እንተነበረኒ ፡ ብኽብሪ ግን ተቐቢለዮ ። እነሆ ሎሚ እታ መጽሓፍ ተሓቲማ ኣብ ስነ-ስርዓት መመርቕታ ብጺሓ’ላ። ንደራሲን በዓልቲ ቤቱ ብጸይቲ ኣብረሀት ሃይለን ወዱ ማትያስ ኣለምሰገድን ከምኡ’ውን ንኾሎም እቶም እዛ መጽሓፍ በርሃን ክትርኢ ዝተሓጋገዙ ፡ ብፍላይ ድማ ንማእከል ምርምርን ስነዳን ፡ ኣሕተምቲ ሕድርን ዮሃና እብል። ብወገነይ ደማ ፡ ብዛዕባኣ ዘለኒ ርእይቶን ትዕዝብትን ሒዘ ቀሪበ’ለኹ። ከምቲ ድራሲ ዝሓሰቦን ዝጽበዮን ከኽወን ድማ ተስፋ እገብር።
  • ብሕጸር ዝበለ ፡ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ካብ ፈደራሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን” ኣብ ግዜ ፈደረሽን ካብ 1956 ጀሚሩ ክሳብ 1962 ዝነበረ ኩነታትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ቆይሙ ዝነበረ ስርዓት ፈደረሽን ከመይ ይሰርሕ ከምዝነበረን ፡ ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝፈረሰን፡ ከምኡ’ውን ምጅማር ብረታዊ ቓልሲን ዝነበሩ ማሕለኻታትን ብዶሆታትን ትትርኸልና። እዛ መጽሓፍ ፡ 743 ገጻት ዘለዋ ፡ ኣብ 26 ምዕራፋት ዝተኸፍለት ፡ ኣስታት 150 ኣሳእል እትሓቁፍ ኢያ ። ኣብ ከርሳ ዘሎ ሓበሬታ ኣዚዩ ብዙሕን ፡ ብጣዕሚ ኣገዳሲን ኢዩ። ብቐጻሊ ድማ ኢዩ ዝፍልፍልን ዝዛሪን ። ደራሲ፡ በቲ ዝወንኖ ዓቕምን ብፈጣሪ ዝተዓደሎ ተውህቦን ፡ ነቲ ሓበሬታ ኣብ ነፍስወከፍ ገጻ ከም ዘርኢ ኢዩ ዝንስንሶ ። ነቲ ዝነስነሶ ድማ ተመሊሱ ኣብተን ዳሕረዎት ምዕራፋት ፡ በቲ ወናም ብርዑ ይኹስኩሶ ፡ በቲ ርጡብን ልዙብን ቋንቁኡ ድማ የልመዖ።
  • ኣብዛ መጽሓፍ ዘለዉ ፍጻሜታት ኣዚዮም ብዙሓትን ዝርዝራዊን ኢዮም ። ብወገነይ ፡ ነቶም ፍጻሜታትን ፈጸምቶምን ፡ ንቦታን ዕለተ ፍጻሜን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊኣ ክህሉ ዝኽእል ሃናጺ ነቐፈታ ንጎድኒ ገዲፈ ፡ ኣብቲ ዓቢ ስእሊን ፡ ኣብቶም እታ መጽሓፍ እተልዕሎም ቀንዲን ዓበይቲን ጉዳያት ማለት (issues) ብምትኳር ዝተማሃርክዎን ዝቐሰምክዎን ከካፍለኩም ክፍትን ኢየ ። ደራሲ፡ እቶም ዘልዕሎም ጉዳያት ንኹሎም ወገናት ዝእንግዱ ፣ እቶም ብጥንቃቐ ዝህቦም መደምደምታታት ድማ ኣብ ጭብጥታት ዝተሞርኮሱን ሚዛን ዝሓለዉን ምእንቲ ክኾኑ ብዙሕ ኢዩ ጺዒሩ ። እዚ ድማ፡ ሓደ ካብቲ ብሉጽነት ናይዛ መጽሓፍ እዩ ክብል እደፍር ። ደራሲ ነዚ ኣመልኪቱ ፡ ኣብ መቕድም ናይታ ቀዳመይቲ መጽሓፉ “ኣይንፈላለ”ውን ኣተንቢሁ ኔሩ ኢዩ። እጠቅስ፡

“ታሪኽ (ይብል ኣለምሰገድ ተስፋይ) ጽቡቕን ሕማቕን ተባሂሉ ብንጹር ሕንጻጻት ክፍለ ዝከኣል ኣይኮነን ። ሓደ ናይ ታሪኽተመራማሪ ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝቐርብ ጭብጥታት ወገን ከይፈለየን ብስምዒት ጥራይ ከይተመርሐን፡ ከከም ኣመጻጽኡክርእዮን ክምርምሮን ግቡእን ሓላፍነትን እዩ”

  • ደራሲ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ናይዛ መጽሓፍ’ውን ካብዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ኣይወጸን ። ነቶም ዝነበሩ ፍጻሜታት ከከም ኣመጻጽኦምን ኣፈጻጽማኦም ጌሩ ኢዩ ክምርምሮም ፈቲኑ። እዚ ንምግባር ፡ ብዙሓት ኣብ ወሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ስነዳትን መጻሕፍትን ከም ዝተወከሰ ፡ ምስቶም ኣብቲ ህሞት ዝነበሩ’ሞ ብኣሉታ ይኹን ብኣውንታ ዝተዋስኡ ዜጋታትን ወጻእተኛታትን ቃል-መጠይቓት ከም ዝገበረ ፡ ንኻልኦት ብርክት ዝበሉ’ውን ከም ዘዛረበ ክንግዘብ ንኽእል ። ብሓፈሻ ፡ ዝተጠቕመሎም ምንጭታት ሓበሬታ ዝተፈላለዩ ማለት (diversified) ብምዃኖም ንምጉት ደራሲ ኣደልዲሎም ፣ ነታ መጽሓፍ ድማ ርዝነትን ክብደትን ዘለዋ ሰነድ ክትከወን ኣብቂዖማ ኣለዉ።
  • ኣብ ትሕዝቶ ናይዛ መጽሓፍ ክንኣቱ ከለና ፡ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ቀንዲ ተዋሳእቲ፡ ህዝቢ ኤርትራን ቃልሱን ብሓደ ወገን ፡ መግዛእቲ ኢትዮጲያን መሻርኽቱ ዝኾኑ እንግሊዝን ኣሜሪካን ካኣ በቲ ኻልእ ወገን ኢዮም ። ብሕጽር ዝበለ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ንልዕልና ሕግን ከም ዝተቓለሰ፡ መግዛእቲ ኢትዮጲያን መሻርኽቱን ድማ ፈደረሽን ኣፍሪስካ ኤርትራ ንምግጐባጥ ከም ዝጻዓሩ ትትርኸልና ። ኣብቲ ዓሰርተ ዓመታት ዝወሰደ ቁሩቁስ ፡ ኢትዮጲያን መሻርኽታን ፡ ንኤርትራ ጎቢጦም ኣካል ኢትዮጲያ ከም ዝገበሩ ተዘንትወልና ። ደራሲ ፡ እቲ ጎበጣ ከመይ ከም ዝተፈጸመ፡ ተቓዉሞ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ከም ዝነበረ ፡ ጸላእትና ዝተጠቕሙሉ ስትራተጂን ሜላን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸምዎ በደላትን ግፍዕታትን ብሰነዳት ኣሰኒዩ ይትርኸልና። ነቲ ንሱ ዝበጽሖ መረዳእታ ድማ ፡ ብዝካኣሎ ሚዛን ሓሊዩ ኣብዛ መጽሓፍ ኣስፊሩ የካፍለና ። ደራሲ ፡ ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ታሪኻዊ ሓቅታት (ኣወንታ ይኹኑ ኣሉታ) ዋላ ግዜ እንተሓለፎም ክጉሰዩ ከም ዘይብሎም ፡ ክስገሩ’ውን ከም ዘይግባእ የስምረሉ ።
  • ኣስዒቡ ፡ ብዛዕባ ሰላማዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣመዓባብሉኡን ኢዩ ዘዘንትወልና ። ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ድሕረትን ትሑት ሃገራዊ ንቕሓትን ኣብ ግምት ብምእታው ካኣ ኢዩ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ክትንትን ዝፍትን ። ሰላማዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ከም ዝጀመረ ፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ሃዋሁ ከም ዝማዕበለ ፡ ትሕዝትኡን ኣካይድኡን ፡ ዘጋጠምዎ ባዕላዊ መስናኽላትን ድኽመታትን ፡ ዝተጻወሮ መግዛኣታዊ በደልን ጭቆናን ይሕብረና ። ምስ’ዚ ኣዛሚዱ ከኣ ፡ ንመስል ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሱ ሰልፍታትን ዉድባት ከም ኣልራቢጣ ኣልኢስላሚያ ፡ ኤርትራ ንኤርትራዊያን ፡ ሓረካ ወይ ማሕበር ሸውዓተ ፣ ኣድማ ሰራሕተኛታት ፡ ሾብሮ ተማሃሮን ካልእን …. ብውልቂን ብሓባርን ዝካየዱ ዝነበሩ ተቓዉሞታት ይዝርዝረልና ። ብኣጠቓላሊ ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ፡ ብወልቂ ይኹን ብሓባር ሓያል ቃልሲ ከም ዝተኻየደ ፡ ቀሊል ዘይኮነ መስዋእቲ’ውን ከም ዝተኸፍለ የረዳእና ። እቲ ቃልሲ፡ ክዕወት ወይ ከድምዕ ዘይምኽኣሉ ፡ ምስቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ መንጉኡን ኣብ መንጎ ጸላእትን ዝነበረ ሚዛን ሓይሊ ተዛሚዱ ክረእ ኣለዎ ኢሉ ድማ ይምጉት ። ብዛዕብ’ቶም ዝተኻየዱ ሰላማዊ ቃልስታት ክድምድም ከሎ ድማ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1991 ዝተጎናጸፎ ናጽነት፡ ድምር ወይ ውጽኢት ናይቶም ካብ 40ታት ጀሚሮም ክሳብ 91 ዝቐጸሎ ሰላማውን ብረታውን ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኾኑ የረድእ ። ኣብ ምዕራፍ 21 ገጽ 468 ድራሲ ከምዚ ይብል፥

“ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ድምር ተመኰሮ ሓረካን ካልኦትን ፡ ተ.ሓ.ኤ.ን፡ ህ.ግ.ሓ.ኤን ኢዩ ። እዚ ተፈላሊዩን ተበታቲኹን ክረአ ኣይግባእን ። ከም ሓደ ጥሙርን ኣገዳስን ኣካል ሃገራዊ ታሪኽ ተወሲዱ ፡ በብኣብርክቶኡ በብእወታኡን በብድኽመቱን ክግለጽ ከሎ ጥራይ እዩ ንወለዶታት ዘገልግል ሓያል ተመኰሮን ዉርሻን ዘተሓላልፍ”

  • ኣብዛ መጽሓፍ : ልዕሊ ኹሉ ኣተኩሮ ዝገበርኩሉን ፡ ብዕምቈት’ውን ክምርምሮን ክርደኦን ዝፉተንኩ ፡ መግዛእቲ ኢትዮጲያን መሻርኽቱን ከመይ ጌሮም ኢዪም ንስርዓት ፋደረሽን ከፍርሱ ዝኻኣሉ? እንታይ ስለ ዝገበሩ ኢዮምከ ንምልእቲ ኤርትራ ክጎብጡ ዝኻኣሉ? ከመይ ዝበለ ስትራተጂን ሜላን እዬምከ ተኸቲሎም? ዝብሉ ሕቶታት ኢዮም። ደራሲ፡ ነዘን ሕቶታት’ዚእን ብንጹር ኢዩ ዝምልሸን ። እቲ ስትራተጂ፡ ፈደረሽን ኣፍሪስካ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጲያ ንምግባር ኢዩ ኔሩ ። እቲ ሜላ ድማ ተንኮልን ምትላልን ፡ ጎነጽን ዓመጽን ዝተሓዎሶ “ከፋፊልካ ምግዛእ” ከም ዝነበረ የረዳኣና ። እቲ ዕማም ፡ እንግሊዝ ከም ኣማኻሪን ለጋሲ ማዕዳን ክኽወን ፡ ኣሜሪካ ኣብ ኩሉ ኣህጉራዊ መጋባእያታት ንኢትዮጲያ እትጣበቕን ኣድላይ ፋይናንሳዊ ሓገዛት እተበርክትን ክትከወን (ልክዕ ከምዚ ሎሚ ትገብሮ ዘላ ማለት ኢዩ) ፡ ኢትዮጲያ ድማ ነቲ ዉዲት ኣብ ባይታ ክተተግብር ኢዩ ኔሩ ። ኢንግሊዝ (ከም ኣመሉ) ካብ ፈለማ “ከፋፊልካ ምግዛእ” ዝብል ምኽሪ ኢዩ ለጊሱ ። ኣሜሪካ ፡ ጉዳይ ኤርትራ ብቐጥታ ምስ ስትራተጃዊ ረብሓታታ ስለ ዝተኣሳሰረቶ (ከምዚ ናይ ሎሚ ማለት ኢዩ) ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ጸጥትኡን ኣብ ጎድኒ ኢትዮጲያ ኮይና ተጣቢቓ። ን15 ዓመታት ዝቕጽል ፡ ኣብ መጀመርታ 50ታት ኣብ ዓመት $10 ሚልዮን ዶላር ዝነበረ ሓገዝ ፣ ኣብ 1959 እዚ ሓገዝ’ዚ ናብ 66 ሚልዮን ዶላር ከም ዝድይብ ጌራ ። በዘይካ’ዚ ፡ 40ሺሕ ዝግመት ስራዊት ኢትዮጲያ ክተመልምልን ክተዕጥቕን ተሰማሚዓ ። ኣሜሪካን ኢንግሊዝን ክልቲእን ብሓባር ድማ ፡ ንሕጋውነትን መትከላትን ሰርዓተ ፈደረሽን ከሸራርፋን ፡ በብቑሩብ ከም ዝለምስ ክገብራ ተሰማሚዐን ። እቲ ስትራተጂን ፡ ሜላ “ከፋፊልካ ምግዛእ”ን እምባኣር፡ ብዘገምታን ብኣዚዩ ረቒቕ ብልሓትን ሜላን ኢዩ ተተግቢሩ ። ደራሲ ከኣ ፡ ትግባረ ሜላ “ከፋፊልካ ምግዛእ” ብኹሉ ሸነኻቱ ኣጽኒዑን መርሚሩን ኢዩ ዘቕርበልና ። ጹማቕ ናቱ ብኸምዚ ዝስዕብ ክቐርብ ይኽእል።

እስላም – ክርስቲያን

ካብ መጀመርታ ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ፡ እስላም ክርስቲያን ብምባል ኣብ ክልተ ክኽፍልዎ ኢዮም ፈቲኖም ። ገና እትው ከይበሉ ንህዝቢ ብእምነቱ ኢዮም መጺኦሞ ። ንሃይማኖት ድማ ከምፖለቲካዊ መሳርሒ ጌሮም ኢዮም ተጠቒሞምሉ ። ዝነበረ ሃይማኖታዊ ስኒት ከዳኽሙ ክልቲኡ ሃይማኖት ከም ዝቀሓሓርን ሓድሕዱ ከም ዝናቖትን ንምግባር ጽዒሮም ። እስላም ክርስቲያን ኢሎም ዘለዓዓልዎ ሃይማኖታዊ ስምዒታት ፡ ንረብሖኦም ከም ዘገልግል ክገብሩ ለይትን መዓልትን ኢዮም ሰሪሖም ። ኣይሰለጦምን ደኣ’ምብር : ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክልተ ክገምዕዎ ኢዩ ኔሩ ዕላመኦም ። ህዝቢ ግን ንሓደገኝነት ናይቲ ወዲት ቀልጢፉ ኢዩ ተረዲእዎ። ብእዋኑ ድማ ብናቱ ተበግሶ ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ለባማትን ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ክፈትሖን ንወዲቶም ከምክኖን ክኢሎ ኢዮ።

ሰልፊ ኣልራቢጣ ኣልኢስላሚያ

እዚ ንናጽነት ዝጣበቕ ፡ ጸብለል ኢሉ ዝረእ ዝነበረ ሰልፊ ኢዩ ኔሩ ። ንዉዲት ጸላእቲ ነጺጉ ብናቱ ሕርያንን ዉሳኔን ኣብ ወሽጢ ህዝቢ ክንቐሳቐስን ክጉስጉስን ክውድብን ምስ ራኣይዎ ፡ ተተናዀሎም ናብ ክልተ ከም ዝግማዕ ጌሮሞ ። ንናጽነት ዝጣበቕ ኣልራቢጣ ኣልኢስላሚያን ፡ ምዕራባዊ ቆላታት ናብ ሱዳን ንምጽንባር ዝቃለስ ኣልራቢጣ ኣልኢስላሚያን ። ጸኒሖም ድማ ብዚያዳ ምእንቲ ከዳኽምዎ ንሰምሃር/ምጽዋዕ ዝውክል ኣልራቢጣ ኣልኢስላሚያ ከም ዝምስረት ጌሮም ። ኣብ መወዳእታ ፡ ሓንቲ ንናጽነት ትጣብቕ ዝነበረት ኣራቢጣ ኣልእስላሚያ ኣብ ኣርባዕተ ከም ትምቀል ጌሮም ኣልሚሶማ።

ሰልፊ ኤርትራ ንኤርትራውያን

ስልፊ ኤርትራ ንኤርትራዊያን ንናጽነት ዝጣበቕ ዝነበረ ሰልፊ ኢዩ ። ተፈላጥነቱን ጽልዉኡን እናዓበየ ክመጽእ ምስ ጀመረ ፣ ኣብ መንጎ መስራቲ’ዚ ሰልፍን ወዱን ዝተፈጥረ ምስሕሓብን ዘይምቅዳውን ብምምዝማዝ ፣ ኣብ ክልተ ከም ዝምቀል ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ተዳኺሙ ከም ዝሓቕቕ ጌሮም።

ቤተ ክህነት ተዋህዶ

ንቤተ ክህነት ተዋህዶ ከም ፖሎቲካዊ መሳረሒ ኢዮም ተጠቒሞምሉ ። ተጻባኢ ፈደረሽን ፡ ተጣባቒ ምሉእ ሕብረት ምስ ኢትዮጲያ ከምዝኸወን ጌሮሞ ። ምስ ግዜ በቲ ንሶም ዝደልይዎ ናህሪ ስለ ዘየገልገለ ግን ኣብ ዉሽጡ ንሶም ዝቆጻጸርዎን ከም ድላዮም ዝዝዉርዎን “ማሕበር ሃዋርያት” መስረቱ ። እዚ ማሕበር’ዚ ፡ ሓያል መሳረሒን ናይ ገንዘብን ስልጣንን ሹመትን ምንጪ ኮይኑ ነቲ ቤተ ክህነት ኣብ ሓጺር ግዜ ዓብሊልዎ ። ነቲ ዘገልገሎም ቤተ ክህነት ተዋህዶ’ውን ከይተረፈ ኣረኻኺቦምሉ ኢዮም።

ኣብ ከበሳ

ዝተፈላለዩ ስምዒታት ኣሳዊሮም ። ኣብ መንጎ ህዝቢ ክሳብ እምባጓሮ ከም ዝላዓል ጌሮም ኢዮም ።  ገለ ካብኡ ሃይማኖታዊ ፡ ከም ኣብ መንጎ ሹባን ኣልራቢጣን መንእሰያት ኣንድነትን ፡ ጀበርትን ክርስቲያንን ። ኣውራጃዊ ፡ ከም ሓማሴን ፡ ኣከሎግዛይ ፡ ሰራየ ። ወረዳወን ዓዳወን ፡ ከም ኣብ መንጎ ሓያለ ዓድታት ሰራየን ሓያለ ዓድታት ከባቢ ሃዘሞ-ኣክለጉዛይን ። ህዝቢ ብስልጣን ፣ ብሹመት ፡ ብመሬት ፡ ብመጋሃጫ ፡ ብዶብ ነንሕድሕዱ ክጠማመትን ኣብ ዓዘቕቲ ጽልእን ቅርሕንትን ምእንቲ ክሽመም ዘይሕለል ጻዕሪ ኣካይዶም ።

ኣብ መታሕት

ኣብ መንጎ ህዝቢ ደቂሶም ዝነበሩ ዘይምቅዳዋትን ፍልሊያትን ኣበራቢሮም ። ኣብ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ መንጎ በኒዓምርን ሃደንድዋን ፣ ጸኒሖም ኣብ መንጎ በኒ ዓምርን ኩናማን ። ኣብ ሳሕል፡  ኣብ መንጎ ተወፋሮን መሳፍንትን ፡ ትግረን ሽማግሌን ፡ ናዝራትን ዑምዳታትን ኢሎም ህዝቢ ኣብ ነንሕድሕዱ ክቀሓሓርን ቂም ከም ዝሕዝን ክገብርዎ ፈቲኖም ፋቲኖም ።

ሽፍትነት

ኣብ ከበሳ ይኹን ኣብ መታሕት ሽፍትነት ዙውቱር ተርኢዩ ኮይኑ ። ንሶም ዝኣልይወንን ዝምወልወንን ጉጅለታት ሸፋቱ ድማ ፈጢሮም ። ኣብ ህዝቢ ረዕዲን ሽበራን ፈጢርካ ፡ ዕላማኻ ንምውቃዕ ዝዓለመ እከይ ወዲት ኢዪ ኔሩ ።

  • ነዚ ኹሉ ብድምር መርሚረ ክትንትኖ ከለኹ ፡ እቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ኣብ ተዛማዲ ሰላም ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ዕላምኦም ምእንቲ ክወቕዑ ብሃይማኖት ፡ ቀቢላ ፡ እንዳ፡ ኣውራጃ ፡ ወረዳ ፡ ከባቢ ፡ ዓዲ  ከምኡ’ውን ብዶብን መሬትን መጋሃጫን ፡ ብስልጣንን ሹመትን፡ ብወገንን ብቐቢላን ገማሚዖሞ ። ነቲ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕግን ዉሕሰነት ዉድብ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ጸጥትኡን ዝቖመ ሰርዓተ ፈደረሽን ድማ ፡ መትከላቱ ከም ዝሃስስ ፡ ሕጋወነቱ ከም ዝለምስ ፡ ትካላቱ ድማ ደው ኢለን ከለዋ ብውሸጠን ከም ዝቡኽቡኻ ጌሮም ። ኣብ መወዳእታ ድማ ናብቲ ክብጽሕዎ ዘደለዩ ዕላማ በጺሖም ። ሰርዓት ፈደረሽን ዘውሓሰ ኣህጉራዊ ሕጊ ጥሒሶምን ረጊጾምን ፡ ህዝቢ ከፋፊሎምን ኣናቒቶምን ኢዮም ድማ ምልእቲ ሃገር ክጎብጡ ዝኻሉ ። ደራሲ ፡ ምስዚ ኣዛሚዱ ኣብ ምዕራፍ 3 ገጽ 32 ብዛዕባቶም ኣብቲ ግዜ’ቲ ፖለትካውያን መራሕቲ ዝነበሩ ዜጋታት ከምዚ ይብል፥

“ሓደ ካብቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ዝነበረ ፍልልያት ዘብኣሰ ፡ ብዙሓት ካብቶም ከም ፖለቲካውያን መራሕቲ ብብግዜኡ ዝተቐልቀሉ ዜጋታት ፡ ካብቲ ህዝቦም ንምንቃሕን ንምጥርናፍን ዝወሰድዎ ጊዜ ፡ እቲ ኣብ ሕድሕድ ምጥምማትን ምውጣጥን ዘህለኽዎ ጊዜ ስለ ዝበዝሕ ኢዩ ። ሹመት ፡ መጠብርን መርሓቒ ኤርትራዊያን ካብ መንፈስ ተቓዉሞ ኮይኑ ነይሩ ፡ ብፍላይ ነቲ ብሹመት ንኽጥበር ድሉው ዝነበረ”

  • ደራሲ ነቲ ዝነበር ኩነታት ብዝርዝርን ብዕምቈትን ንምርዳእ ብዙሓት ኣርእስታት ኣልዒሉ ይትርኸልና ። ገለ ካብኡ ፡ ኣድህቦ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ እዋን’ቲ ፡ ኣብ ቃልሱ ዘጋጠምዎ ሕጽረታት ፡ ኣብ ፈደራል ዝምድና ዝተገብሩ ለውጥታት ፡ ኣብ ዕማምን ምሕደራ ባይቶ ኤርትራን ዝተጀመሩ ምትእትታዋት ፡ ኣብ ምርጫ ባይቶ ኤርትራ ዝነበሩ ጸወታታት ፡ ሽፍትነት ዝፈጠሮም ቅልውላዋት ፡ ጥርዓን ኤርትራ ኣብ ው.ሕ.ሃ. ፡ ተዋስኦ ምውራድ ባንዴራ ኤርትራን ምፍራስ ፈደረሽንን ብዝርዝርን ብሰነዳትን ኣስኒዩ የቕርበልና ። ኣብዚ ንዓሰርተ ዓመታት ዝቐጸለ መስርሕ’ዚ፡ ዝነበሩ ጸወታታት ፣ ዝተፈጸሙ በደላት ፡ ዝተጋህሱ መሰላት ፡ ዝተኣልሙ ዉዲታት ኣዚዮም ዘገርሙ ኣብ ልዕሊ ምንባሮም ፡ ገሊኦም ዘስደምሙ ገሊኦም ድማ ኣመና ዘስካሕኩሑ ኢዮም ። ነዚ ኹሉ ደራሲ ኣብ ምዕራፍ 17 ገጽ 349 “ህዝቢ ኣብ መንጎ ምልክን ምስትንታንን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብኸምዚ ይገልጾ፥

“ኩሉ ምስ ፈረሰ ፡ ምልኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ኤርትራ ተረጋገጸ ። ህዝቢ ድማ ፡ እቲ ብዛዕባ ቃልሲ ዝሓስብ ናብ ካልእ ኣገባብ ቃልሲ ከቋምት ፡ እቲ ዝቕበጸ ደማ ከስተማስልን ክጉሂን ግድን ኮነ”

  • ስዒቡ ዝመጽእ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኢዩ ። ኣብዛ መጽሓፍ ብዝርዝር’ዩ ቀሪቡ ዘሎ ። ብርእይቶይ፡ ብዛዕባ ኣጀማምራ ብረታዊ ቃልሲ ሰፊሩ ዘሎ ዛንታ ፣ ኣዚዩ ስሓቢን ዘኹርዕን ኢዩ ። ምኽንያቱ ፡ ዝሓዝካ ዘይብልካ ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ፡ እሞ ድማ ኣብቲ ኣዚዩ ጹንኩር ኩነታት ፡ ፍቕሪ ሃገርን ኤርትራዊ ሃገራወነትን ዓጢቕካ ፣ ስሚዒትን ኒሕን ጥራይ ተወጢሕካ “ነታ ብሓይሊን ዓመጽን ዝተጎብጠት ሃገርና ፡ ብሓይሊ ብረትን ብፍትሓዊ ቃልሲን ክንመልሳ ኢና” ምባል ኣዚዩ በዳሄ ዕማም ምንባሩ ንማንም ክስወሮ ኣይክእልን ። ደራሲ፡ ጹንኩርነት ናይቲ ኩነታት ምእንቲ ከረዳኣና ፡ ምልኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝፈጠሮ ራዕዲን ሽበራን በብሓደ ይዝርዝረልና ። ኣስዒቡ ፡ ምምስራት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ሓሳብ ከመይን ኣበይን ከም ዝተጀመረ ፡ መሪሕነቱ መነመን ከም ዝነበሩ ፡ ቅድመ-ምጅማር ዝነበሩ ጸገማትን ዝተላዕሉ ዓበይቲ ሕቶታትን ብስፊሑ ይገልጸልና ። ምስዚ ኣዛሚዱ ድማ  ፡ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ጀማሪ ብረታዊ ቓልሲ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ፡ ህቡብነቱን ተርኡን ፡ ብቕዓቱን ቅሩብነቱ ንቓልስን መስዋእትን ከምኡ’ውን ኩሎም ቅድሚ ብረታዊ ቓልሲ ምጅማሩ ዝፈጸሞም ኣወንታውን ኣሉታውን ተግባራቱ የዘንትወልና ። ደራሲ፡ ብዛዕባ ዓዋተ ኣስፊርዎ ዘሎ ታሪኽ መብዛሕቱኡ ሓዲሽን ዘይንፈልጦን ስለ ዝኾነ፣ ኣዚዩ መሳጥን ኣገዳሲን ኢዩ ። ኣብ ምዕራፍ 22 ገጽ 538 “ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ፡ ደራሲ ከምዚ ይብል፥

“ሓደ ከም ዓዋተ ዝመስል ፡ ንጉዕዞ ታሪኽ ሓንቲ ሃገር ብዓቢ ዝላ ዝወንጨፍ መራሒ፡ ብገለ መንቅብ ወይ እንታኡ ክፍረድ ወይ ድማ ብሰንኪ’ዚ እቲ ዓቢ ኣበርክቶኡ ክካሓድ ወይ ክሃስስ ኣይግባእን ። ኩሉ መሚዛኑ ሓልዩ እንተ ተታሕዘ ጥራይ ኢዩ ረብሓ ዝዕንገል”

  • ደራሲ ዝጀመሮ ዛንታ ብምቕጻል ፡ ኣብ እዋን ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ዝተላዕሉ ሕቶታትን ሰፊኑ ዝነበረ ናይ ምጥርጣር መንፈስን ዘይምትእምማንን ብሓደ ወገን ፡ እትዮጲያ ብዓመጽን ጎነጽን ንኤርትራ ክትጎብጥ ምኽኣላ ዘስዓቦ ጓሂን ምረትን ድማ በቲ ኻልእ የዘንትወልና ። ብኣራኣኢያ ደራሲ ፡ ምስቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ሕርቃንን ዓቕሊ ጸበትን ምጥፋእ ማኣዝንን ፡ እቲ ከም ኣገዳሲ ጉዳይ ክረእ ዝግበኦ ይብል ደራሲ ፡ እቲ መሊሱ ዝገንፈለ ኤርትራዊ ሃገራውነትን ፡ ቅሩብነት ንቓልሲን መስዋእትን ከም ዝኾነ ብሓይሊ ይጣበቕ ። ህዝቢ ኤርትራ ብዝርያ ኢንግሊዝን ኣሜሪካን ሃገሩ ስለ ዝተዘምተ ፣ ብዘይካ ብረት ኣልዒሉ ክቃለስ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይነበሮ ድማ የስምረሉ ።
  • “ኤርትራ፡ ካብ ፈደራሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን” ብዛዕባ ኣድማዕነት ቃልስታት ቀዳሞት’ውን ተዘንትወልና ኢያ ። ናይ ሽዑ ሃገራወያን ተቓለስቲ ፡ ተጠርኒፎም ተቓዉሞኦም ምእንቲ ከበርኹ ዝገበርዎ ጻዕርታት በብሓደ ብምምርማር ትትርኸልና ። ተቓዉሞ ኣልራቢጣ ኣልኢስላሚያ ፡ ኤርትራ ንኤርትራዊያን ፡ ሓረካ ፣ ኣድማታት ማሕበራት ሰራሕተኛታት ፡ ሾብሮታት ተማሃሮ ከምኡ’ውን ቃልሲ ናይቶም ኣብ ሱዳንን ካይሮን ኢትዮጲያን ዝቕመጡ ዝነበሩ ዜጋታት ብሰፊሑ ትገልጸልና። ኩሉ’ዚ ተደማሚሩ ፡ መርኣያ ሓያል ሃንቀውታ ንሓርነትን ናጻነትን ፣ ኣዚዩ ኣገዳሲ ድፋኢት ንቓልሲ’ውን  ከም ዝነበረ ተብረሃልና ። ደራሲ ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ብዙሓት ሃገራውያን ዜጋታት ከም ዝተሓየሩን ከም ዝተገፍዑን ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ከም ዝተረሸኑን ዝተሓንቁን ይሕብረና። ብርግጽ ድማ ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝተቓለሱ ዜጋታትን ፡ ዝተጻወርዎ ምረትን ሕሰምን፡ ዝኸፈልዎ ከቢድ መስዋእትን ሰፈሩ ዘሎ ታሪኽ ኣዚዩ ዝነኣድን ዘኹርዕን ኢዩ። እዛ መጽሓፍ ፡ ኣበርክቶ ናይዞም ተቓለስቲን ፡ ዝነበሮም ልዑል ሃገራውነትን ኒሕን፡ ትብዓትን ቆራጽነትን ክተዘንትወልናን ዝግቦኦም ታሪኻዊ ቦታ ክትህቦም ምኽኣላ ፡ ተወሳኺ ርዝነት ከም ዝህባ ኣየጠራጥርን ። ንኹሉ’ቲ ሃገረይ ኢሉ ዝተላዕለን ዝተቓለሰን ፡ ዝተገፍዕን ዝሰንከለን ፡ ዝኽፈለን ዝተሰወእን ፡ እቲ ዝወሓደ ክንገብረሉ እንኽእል ፡ ኣበርክቶኡ ክንነግረሉን ክንትርኸሉን ምዃኑ ስለ ተዘኻኽረና ድማ ፡ ሓደ ካብ ሓያል ጎድንታታ ኢዩ ክብል እደፍር ።
  • ካልእ ኣብዛ መጽሓፍ ተዘርዚሩ ዘሎ’ሞ ከይጠቐስናዮ ክንስግር ዘይግባእ ፡ ደራሲ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ፡ ኢትዮጲያ ከም መሳርሒ ዝተጠቕመትሎምን ንኢትዮጲያ ከገልግሉ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን በደል ዝፈጸሙ ፡ ኣብ መወዳእታ ኣበይ ከም ዘበሉ ተጠቒሱ ዘሎ ታሪኻዊ ሓቂ ኢዩ ። ደራሲ ፡ ኣብ ምዕራፍ 26 ገጽ 665 “ሰብ ውዕለት ኢትዮጲያኸ ናበይ ኣበሉ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ከምዚ ይብል፥

“ማዕረ ንኤርትራ ከም ሓንቲ ትሕቲ ዕድመ መርዓት ከም ህያብ ጠቕሊልካ ናይ ምሃብ ሓይልን ስልጣንን ዝነበሮም ስባት ፡ ክሳብ ክንደይ ተታለልትን ተቕሽሽትን ምንባሮም፡ ብባዕላውን ዉልቃውን ትጽቢታቶም ተመሪሖም ኣንፈት ታሪኽ ሃገር ክጠውዩ ምኽኣሎም ዘየገርም ኣይኮነን።  የዋህነት ዝተሓወሶ ጸቢብ ረብሓን ኣጠማምታን ፡ ህርፋን ሰልጣንን ሹመትን ፡ ፖለቲካዊ ዑረት ፈጢሩ” —-ይብል

  • ኣብዛ መጽሓፍ ብንጹር ክንርደኦ እንኽእል ፡ ኩሎም እቶም ምስ ኢትዮጲያ ዝተሓባበሩ ፡ ምእንቲ ጸቢብ ዉልቃዊ ረብሓ ኢሎም ኢዮም ሃገር ኣሕሊፎም ዝሃቡ ። ኢትዮጲያ ድማ ስለ ዝፈተወቶም ወይ ቡሉጻትን ጸለውትን ኢዮም ኢላ ስለ ዝኣመነትሎም ዘይኮነ ፡ ብውልቃዊ ረብሓ ዝተባዕጡ ፣ “ንዓይ ይጥዓሚኒ” በሃልቲ ምዃኖም ስለ ዝተረደእት ኢዩ ። ኣብቲ መጀመርታ ሓቒፋቶምን ሓብሒባቶምን ከምቲ  ዝበሃግዎ ድማ ብገንዘብን ሽልማትን ፣ ብሹመትን ስልጣንን ጀንጂናቶም ። ኣብቲ ዝብጻሕ ምስ በጽሐት ግን ፡ ኣርሒቓቶምን ደርቢያቶምን ፡ ኣብ መወድእታ ድማ ፈንፊናቶምን ጉሒፋቶምን ኢያ ። ነገር ምስ ተወደእ “ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ” ከም ዝባሃል ፡ ኩሎም’ቶም ብወልቃዊ ስስዕ ዓዊሮም ሃገር ኣሕሊፎም ዝሃቡ ፡ ርእሶም ኣድኒኖም —- ሓፊሮምን ተጣዒሶምን ጎህዮምን ኢዮም ። እቲ ዘገርም ግን ፡ እቲ ካብ ታሪኽ ዘይምምሃር ኢዩ ። ኩሎም ንሃይለ ስላሴ ዘገልገሎ ተደርቢዮምን ተናዒቖምን እናራኣዩ ፡ ካልኦት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ንደርግ ከገልግሎ ምርኣይ ኢዩ ። ብርእይቶይ ፡ እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍእን ኣዚዩ ዘስደምምን ፡ ሕማቕ ተመክሮ ቐዳሞትን ዳሕረዎትን ገና ህያው እናሃለወ ፡ ሎሚ ድሕሪ ናጽነት ንወያኔ ዘገልግሉ ምርኣይ ኢዩ። ታሪኽ እንታይ ከም ዝብል ፡ እንታይ ከም ዝሕብረና ፡ እንታይከ ከም ዝምህረና እንተ ዝፈልጡ ንዖኦም ምሓሾም ኔሩ። ብቋንቋ ዓረብلا يلدغ المؤمن من جحر واحد مرتينዝብል ኣሎ ፡ ትርጉሙ “ለባም ካብ ሓንቲ ጉድጓድ ተመን ፡ ክልተ ግዜ ኣይንከስን” ማለት ኢዩ። ምስ ስርዓታት ኢትዮጲያ ዘለና ናይ ኣስታት 100 ዓመታት ተመክሮ ንጹር ኢዩ ። ረሳዕቲ ኢና’ምበር ፡ ብተደጋጋሚ ኢና ተነኺስና ። ሃይለስላሴ ኤርትራ ከኣቱ ኸሎ ፣ ደርግ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጸሉ ፣ ወያኔ ኣብ ኮሮሻ ስልጣን ኣብ ዝተወጣሓሉ ፣ ስለስቲኦም ንስላምን ርግኣትን ፡ ዕብየትን ብልጽግናን ኤርትራ ክስርሑ ዃኖም ኢዮም ዓው ኢሎም ተመባጺዖምን ሚሒሎምን ጥሒሎምን ። ስልጣኖም ምስ ኣደልደሉ ግን ፡ መልሓሶም ዓጺፎም ፡ በደልን ግፍዕን ፡ ዓመጽን ረመጽን ኢዮም ኣዝኒቦምልና። ዱኹማት ክለዉ ዝብልዎን ፡ ምስ ደልደሉ ዝገብርዎን በብይኑ ሙዃኑ ኢዩ ሕሉፍ ታሪኽን ናይ ቀረባ ተመክሮን ዝሕብረና ። ደራሲ ፡ ኣብ መደምደምታ ናይዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ’ቶም ምስ ኢትዮጲያ ኢድን ጓንቲን ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣብ ምዕራፍ 26 ገጽ 653 ኣስፊርዎ ዘሎ እጠቅስ፥

“ኤርትራ ኣምጺእኩም ተባሂሎም ንኤርትራ ክርከቡ፡ ክሽየሙላን’ዩ ነይሩ ትጽቢቶም። በቲ ዝወሃቦም ዝነበረ ገጽን ጥበራን መብጽዓታትን ድማ ፡ ከምኡ ከም ዝኽውን ጥርጥር ኣይነብሮምን። ንሃይለስላሴ ዘምለኹ’ምበር ፡ ንናይ ስልጣን ጸወታታቶም ዝርድኡ ስባት ኣይነበሩን”

  • መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ካብ ፈደራሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን” ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኣጀማምራ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ጽንኩር ኩነታትን ምጥርጣራትን ፡ ፖሎቲካዊ ዝንባሌታትን ማሕበራዊ ጽልዋታትን ከምኡ’ውን ኣቃዉማ ናይቲ ዉድብን ኣተሓሳስብኡን ብዝርዝር ኢያ ትሕብረና ። ደራሲ፡ ነዚ ገምጊሙ ክድምድም ከሎ ኣብ ምዕራፍ 21 ገጽ 470 ከምዚ ይብል።

“ውደብ ተ.ሓ.ኤ. ፣ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ፣ ኣቃሊልካ ዘይግመት ምዕራፍ ዝሓዘን ፡ ዛጊት ዝኽሩን ስዓብነቱን ዘየጥፈእ ስለ ዝኾነ ፡ ነቲ ቓልሲ ንቕድሚት ዝደፍአ ብልጫታቱ ይኹን ፡ ንድሕሪት ዝመለስ ድኽመታቱ ፡ ተነጺሩ ኽቐርብ ፡ ንጥቕሚ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን መጻኢ ወለዶን’ዩ ። ታሪኽ ፡ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ብጊዜ ፡ ቦታን ደረጃ ንቕሓት ህዝብን ዝተጸልወ ወይ እተወሰነ ሃዋሁው’ዩ ዝፍጸም ። እዚ ኣብ ግምት ተኣቲዩ እዩ ድማ ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኽንገር ዘለዎ”

  • ኣብዛ መጽሓፍ ፡ ካብዚ ኣረኣኢያ’ዚ ዝተፈልየ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ተመራመርቲ  ታሪኽ ብዛዓባ ኣጀማምራ ተ.ሓ.ኤ. ዝሃብዎ ርእይቶታትን ሓተታን ሰፊሩ’ሎ ። ኣብቲ ናቶም ትንታኔታት ከይኣተኹ ፡ ብርእይቶይ ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ፡ ነጥቢ መቐይሮ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝነበረ ዘይካሓድ ሓቂ ኢዩ ። ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ድማ ሃገራውን ሓርነታውን ውድብ ኢዩ ኔሩ ። ኣተሓሳስብኡ ይኹን ኣቃዉምኡ፡ ነተሓሳስባ መስረቱ ክመስልን ፡ በቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዝነበረ ሃዋህውን ዘይምትእምማንን ፡ ኣብ ዞባና ዝነፍስ ዝነበረ ንፋስን ጽልዋታትን ክጽሎ ግድን ምዃኑ ምስትውዓል ኣገዳሲ ኢዩ ። ልዕሊ ኹሉ ግን ኣጀማምራ ተ.ሓ.ኤ. ምስቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ ድሕረትን ትሑት ሃገራዊ ንቕሓትን ተዛሚዱ ክረእ ዘለዎ ኢዩ ። ካብዚ ወጻኢ ዝዋሃብ ትንታኔታት “ዉላድ ንወለዱ ክመሰል የብሉን” ወይ ድማ “በቲ ዝዓበኻሉ ከባቢ ክትጽሎ የብልካን” ዝመስል ስለ ዘስምዕ ፣ ንስነ-ሞጎት ዝጻረር ኢዩ ። ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ብዝተፈላለዩ ተመራመርቲ ቀሪቦም ዘለዉ ትንታኔታት ኣዚዮም ጸበብቲ ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ንሰብ ጸቢብ ረብሓ ዝዉክሉ ኢዮም ክብል እደፍር ።
  • ብኣጠቓላሊ ፡ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ካብ ፈደረሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን” ዉጽኢት ትጉህ ስራሕን ፡ ዓሚቕ ምርምርን ፡ ሓያል ጻዕሪን ኢያ ። ተመራማሪ ታሪኽን ደራሲን ኡስታዝ/ኣለምሰገድ ተስፋይ ፡ ኣጽኒዑን ተመራሚሩን ፡ ሃብታምን ብህያው ሰነዳት ዝተሰነየትን መጽሓፍ ኢዩ ኣበርኪቱልና ዘሎ ። ተዓዊቱ ሰለ ዝዐወተና ድማ ክብሪን ኣድናቖትን ንኣለም ስገድ ተስፋይ።
  • ኣብ መደምደምታ ፥ ኣብዛ መጽሓፍ ተጠቒሶም ዘለዉ ታሪኻዊ ሓቅታት ብግቡእ ምንባቦም ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ ። ምኽንያቱ ፡ታሪኽ ምፍላጥን ብዕምቈት ምርዱኡን ከም ዘብለሓናን መሊሱ ከም ዝስሕለናን ክንዝንግዕ ኣይግባእን ። ኣብዛ ንነብረላ ዘለናዓለም ፡ ብፍላይ ኣብዚ ግዜ’ዚ ፡ መመሊሱ እናገነነን እናገደደን ዝኽይድ ዘሎ ግጭታት ምስዋርን ፡ ግህሰት ኣህጉራዊ ሕጊን ፡ርግጸት ፍትሕን ሓቂን ፡ ደረት ኣልቦ ጸለመን ጠቐነን ዝውቱር ተርእዮ ኮይኑ’ሎ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ እቶም ነዚ ዘተግብሩመሳርሒታትን መጻወድያታትን ፡ ሕብሪ እናቐያየሩ፡ ዝተፈላለዩ መልክዓት እናሓዙ ፡ ጥበብን ርቀትን እናበዝሖም ይመጹ’ለዉ ።ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ኣዚዩ ተኣፋፊ ግሎባዊ ኩነታት ፡ ንድሕሪት ተመሊስና ታሪኽ እንታይ ከም ዝብል ፡ እንታይከ ከም ዝምህረናምፍላጥ እዋናዊ ኢዩ ። ኣብ ከርሲ’ዛ መጽሓፍ ዘሎ ሓበሬታ ይኹን እተልዕሎም ዓበይቲ ጉዳያት፡ ብዝተፈላለዩ ኩርናዓትክንምርምሮምን ክንማሃረሎምን ጉቡእ ኢዩ ። ንወለዶታት’ዛ ሃገር ዘይነጽፍ ሰንቂን ፡ ዘይዕጸፍ ዋልታን ክኾንዎም ስለዝኽእሉ ።ብዛዕባ’ዛ መጽሓፍን ትሕዝቶኣን ድማ ፡ በዚ ኣነ ነዚ ኣጋጣም’ዚ ኢለ ዝገበርክዎ ህየሳ ክወዳእ የብሉን ፣ ኣይግባእን ድማ ።ብዛዕባኣ መመሊሱ ክጻሓፍን ክትንተንን ተመራጺ ኢዩ ። ምኽንያቱ ታሪኽ መምህር ስለዝኾነ ። ትርጉሙን መልእኽቱንተረዲእና እንተ ተማሃርናሉ ጥራይ ኢዩ ድማ ቁምነገር ዝህልዎ ።

ይቐኒየለይ

ዓወት ንሓፋሽ !!