መዓልቲ ምጽንናዕ ግዳይ ባሕሪ ንዝኾኑ ዜጋታትና

ከተማ የተቦሪ ሽወደን

ሓሙሰ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል መርከብ ኣብ ባሕሪ ብዙሓት ኤርትራዊያን ዜጋታትና ከምዝሞቱ ክንሰምዖን ክንከታተሎን ጸኒሕ ኣሎና። እዚ ተርእዮ’ዚ ተደጋጋምን ዘሕዝን ሕማቕ ኣጋጣሚ ኢዩ፡ ንኹሎም ዝሞቱ ድማ መንግስተ ሰማይ የዋርስ ንስድራቤት ድማ ጽንዓት ይሃብ። ኤርትራዊያን ተቐማጦ የተቦሪ ናይዚ ሓዘን ተኻፈልቲ ምኻኖምን ብሓባር ንምሕዛንን ብሰምበት 6 ጥቅምቲ ካብ ሰዓት 15.00 ድ.ቀ ኣብ ክበብ ማሕበረ-ኮም ናይ ሽምዓ ምብራህ ሰነስርዓት ኣካይዶም።

ኣብቲ ሰነስርዓት ኣቦ መንበርን ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ማሕበረኮምን ነቲ መደብ ብዝኽሪ ሰማእታት ድሕሪ ምኽፋት በብወገኖም ነዚ ኩነታት ኣመልኪቶም ቃል ምጽንናዕ ኣቕሪቦም። ህዝቢ በብተራ ሽምዓ ብምብራህ ከምቲ ንቡር ንግዳያት ኣልቂስሎም። ኣብ መወዳእታ ድማ ዝተወፈዩ እኽለማይ ተኻፊሉ፡ እዚ ሓደጋ ናይ መወዳእታና ይግበሮ፡ ኣምላኽ ኢዱ የምብረልና ገጹ ይመልሰልና ብምባል ጸሎቶም ብምበጻሕ መደብ ምጽንናዕ ተፈጺሙ።
ኣብዚ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ የተቦሪ ዝተኻፈሎ መዓልቲ ክምሰገን፡ ክዕቀብን ክቕጽልን ዘለዎ ኣካል ባህልና፡ ዜጋታት ዝኣክል ትሕዝቶ ሒዞም ምመጻኦም፡ ኩለን ሃገራዊያን ውዳበታት ዝተፈላለዩ ኣበርክቶ ምግባረንን መንእሰያትና ድማ ብዘይዕረፍቲ ምስሳዮም ኣብቶም ኣደዳ ባሕሪ ዝኾኑ ዜጋታትና ዘሎና ምሉእ ፍቕርን ክብርን ዘርኢ ኢዩ ነይሩ።

ዝሞቱ መንግስተ ሰማይ የዋርስ
ንስድራቤት ድማ ጽንዓት ይሃብ።
ኤርትራዊ ማሕበረኮም የተቦረን ከባቢኡን