መዓልቲ ምጽንናዕ ግዳይ ባሕሪ ንዝኾኑ ዜጋታትና

ከተማ የተቦሪ ሽወደን ሓሙሰ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል መርከብ ኣብ ባሕሪ ብዙሓት ኤርትራዊያን ዜጋታትና ከምዝሞቱ ክንሰምዖን ክንከታተሎን ጸኒሕ ኣሎና። እዚ ተርእዮ’ዚ ተደጋጋምን ዘሕዝን ሕማቕ ኣጋጣሚ ኢዩ፡ ንኹሎም ዝሞቱ ድማ መንግስተ ሰማይ የዋርስ ንስድራቤት ድማ ጽንዓት ይሃብ። ኤርትራዊያን ተቐማጦ የተቦሪ ናይዚ ሓዘን ተኻፈልቲ ምኻኖምን ብሓባር ንምሕዛንን ብሰምበት 6 ጥቅምቲ ካብ ሰዓት 15.00 ድ.ቀ(…)